Skip to main content

Publisher

ዘይተሰምዐ ስምዕታ (The unheard Ultimatum)

No reviews yet
Product Code: 9789994851607
ISBN13: 9789994851607
Condition: New
$20.21

ዘይተሰምዐ ስምዕታ (The unheard Ultimatum)

$20.21
 

ጎደናታት ሰብ መሊኡ እንተዕለቅለቀ ሰብ ኣይተሳእነን ኣይትበሉ፡፡ ዝጠፍአ ሕልናታት ጸይራ ትትክዝ ዘላ መሬት ዓው ኢላ ንሓሶትኩም ክትምጉት ኣይትጸበይዋ፡፡ ኣየ መሬት ትረኽቦ? ዕድሚኦም ዓቢ ተግባራቶም ናይ ህጻውንቲ ፍጡራት ካብ ዓቅማ ወጻኢ ኮይኖማ፡፡ ተስፋኣ ካብ ብሕጂ ዝመጹ ሓደሽቲ ወለዶ ከይትገብር ድማ ካብ መን ዝተወልዱን ብመን ዝዓበዩን ደቂ እያ'ሞ ባህጋ ከተቐምጥ፡፡ ፍቅሪ ከይሃበ "ኣነ ፍቅሪ ዝግብኣኒ ኣይረኸብኩን" እናበለ ዘእዊ ሰብ፡ ዝበልዓላን ዝሸነላን መሬት 'መለሳ ልግሰይ ይደሊ ኣለኹ' ኢላቶ ከምዘይትፈልጥ'ባ እቶም ዝሓሽኩም እትበሃሉ ንገሩለይ! ካብ ዕሽነት ዝጸገቡን፡ ምቅሉልነት ዝጠመዩን ኣህዛብ ዝመልእዋ ከተማ'ሞ እንታይ ዝሰምር ሰናይ ከይህሉ'ዩ።


"ኣብዛ ከተማ ካብ ንፋስ ቀውዕን ህቦብላ ሓጋይን ንላዕሊ፡ ዘራጊቶ ሕሜታ ዝያዳ ከምዝውንጨፍ፡ ተቀማጦኣ ብትሕቲ ልሳኖም ዝምስክርዎ ዝከፍኣ ሕፍረት ውሽጦም'ዩ፡፡ እዞም ኣህዛብ ካብ ዘርዕድ ሓቂ፡ ዝተመቃቀረ ንኣእዛኖም ይምችእ፡፡ ሕልንኦም ጌጋ ወረ ይሰንቅ ምህላዉ እናተሰቆሮም፡ ነቲ ገፈጥ-መፈጥ ቃላት ከም ትእዛዝ ኣባት-ነብሶም ጎሲሞሞ የስቅጡ፡፡ ዋላ'ኳ ሓደ፡ ነቲ ቅኑዕ መምዩ ከይስዕቦ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ጽድቂ ዝሰሓዎ መንገዲ ብምሓዞም፡ ነቲ ናቱ ጫሌዳ ርእዮም፡ "ርእስኻ የላን!" ከይብልዎ ይፈርሕ..."


በዚ ምፍልላይ'ዚ ዓይኑ ዝነቑሐን ኣእዛኑ ንወረ ዝገተረን መልሓሱ ኣህጢሩ ዝልፍልፍን ሰሰነ፡፡ ናይዚ ርድኢት'ዚ ግብረ መልሲ ድማ ናብ ገንዘብ ዝጓየ መንእሰይ፡ ፍልጠቱ ከዛይድ ዝህንደድ ምሁርን፡ ንሓላፍነት ክጎራፈጥ መሬት ዝመሰዮ ስሱዕን፡ ዝለመዶ ሃልይዎ ንደቁ ወጊድ ኢሉ ዝፋታሕ ወላድን፡ ውርሻ ንዝገድፈሉ ሰብ ስኢኑ ብዘይ ለበዋ ዝቕበር ኣረጊትን ምስ ምፍልላይ ኣላይን ሶቬትን ሓዊስካ ብዘይ ምግናን እዛ ከተማ ጨው ሰኣነት፡፡





Author: ከ ሱልጣን
Publisher: Publisher
Publication Date: May 15, 2020
Number of Pages: 212 pages
Binding: Paperback or Softback
ISBN-10: 9994851608
ISBN-13: 9789994851607
 

Customer Reviews

This product hasn't received any reviews yet. Be the first to review this product!

Faster Shipping

Delivery in 3-8 days

Easy Returns

14 days returns

Discount upto 30%

Monthly discount on books

Outstanding Customer Service

Support 24 hours a day